KOOFRA – Koordinierungsstelle gegen Frauenhandel e.V. Hamburg
 +49-(0)40–67999757

Infos in 35 Sprachen

 
<

.

...

>
 

ሓበሬታ ኣብ ሃምቡርግ ብዛዕባ ንናይ ጉልበት ምዝመዛ ዝዓለመ መስርሕ ምስግጋር ደቒ ሰባት

  • ናይ ዕዮኻ ኩነታት ዘይጽወር ድዩ?
  • ክትሰርሖ ዘይትደሊ ስራሕ ተጸቒጥካ ወይ ተገዲድካ ትሰርሕ ዶ?
  • ደሞዝ ኣይትወሃብን ወይ ድማ ውሑድ ትወሃብ?
  • ካብ ካልኦት ዝነውሕ ግዜ ትሰርሕ ዶ?
  • ሓገዝ ዝደሊ ሰብ ትፈልጥ ዶ?
  • ሓበሬታ ትደሊ ዶ?

ብኽብረትካ ደውለልና።

አቲ ዝወሃብ ምኽሪ ኣብ ሞንጎና ምስጢር ወይ ምስጢሩ ዝተዓቕበ እዩ።

ካብ ስምምዕካ ወጻኢ እንገብሮ ነገር የለን።


ዌብሳይትና : www.koofra.de

ኢሜይልና l: info@koofra.de

ቴሌፎን : +49-(0)40 – 67 999 757

ናይ ዝርርብ ስዓታት : ካብ ሶኑይ ክሳብ ሓሙስ 11:00 – 17:00 Uhr, ዓርቢ 11:00 – 14:00 Uhr

ኣብዘይሃለናሉ አዋን ድማ ቑጽርኻ ምስ መልአኽትኻ ኣብቲ ኣንሰሪን ማሺን ግደፈልና።


ምዝመዛ ኣብ ስራሕ

ገለ ኣብነታት፡

  • ሓደገኛ ስራሕ ንክትሰርሕ ትግደድ
  • ኣብ ስራሕ ናይ መከላኸሊ ኣልባስ ኣይትወሃብን
  • ፓስፖርትኻ ወይ ውን ናይ መጎዓዝያ ወረቓቕትኻ(ትራቨል ዶኩመንት) ተወሲዱልካ
  • ኣስራሒኻ ብምኽንያት ዕዳ ጸቕጢ ይገብረልካ
  • ናይ ዝሰራሕካዮ ክፍሊት ኣይትወሃብን ወይ ድማ ኣዝዩ ውሑድ ክፍሊት ትወሃብ
  • ግቡአ ኣተሓሕዛ ኣይግበረልካን፡ ትግደድ ወይ ውን ትጽቐጥ
  • ሕጋዊ ወረቓቕቲ ወይ ድማ ናይ ስራሕ ፍቓድ ስለዘይብልካ ትግደድ(ጸቕጢ ይግበረልካ)
  • ዕረፍቲ ኣይትወሃብን
  • አንተሓሚምካ ናብ ሓኪም ክትከይድ ኣይፍቐደልካን
  • ናጻ ከይትንቐሳቐስ ኣስራሒኻ ቑጽጽር ይገብረልካ

አዚ ልዕል ኢሉ አተገልጸ መስርሕ ምስግጋር ደቒ ሰባት ክኸውን ይኽአል።

ዋላ ተሰማሚዕካ ዝኣተኻዮ አንተኾነ።

ኩፍራ KOOFRA ክሕግዘካ ይኽአል አዩ!

KOOFRA:

  • ንግዳያት ናይ መስርሕ ምስግጋር ደቒ ሰባት ይህግዝ
  • ናጻ ኣካል አዩ
  • ምኽሪን ሓበሬታን ይህብ

ናይ ድጋፍን ሓገዝን መሰል ኣለካ

  • ንሕና ምኽሪ ንልግሰልካ
  • አቲ ዝርርብ ኣም ሞንጎና ውሑስ ወይ ምስጢራዊ አዩ
  • ናብ ካልአ ኣሕሊፍና ሓበሬታኻ ኣይንህብን ኢና
  • ሰራሕተኛታትና ውን ካብ መቦቖል ሃገርካ ዝመጹን ቛንቛኻ ዝዛረቡን አዮም

ኩፍራ አንታይ ትልግስ?

  • ኣገልግሎት ናይ መነባብሪ፡ ቀረብ ናይ መድሃኒት፡ ኣገልግሎት ናይ ናብራ ሐገዝ፡ ናጻ ናይ ሕጊ ምኽሪ
  • ናብ መንግስታዊ ቤትጽሕፈታ ምስናይ
  • ድጋፍ ብዛዕባ ናይ ፓስፖርት ጉዳያት
  • ድሌት አንተለካ፡ ናብ ፖሊስ ምስናይ
  • ድሌት አንተለካ፡ ናብ ዓድኻ ናይ ምምላስ ሓገዝ
  • ብዙሕ ካልአ ዘይተጠቕሰን